×

Arbi Harnet / Freedom Friday's video: March10 2017 AH Calls On Eritreans

@March10 2017 AH Calls On Eritreans
ክቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ኣብ ዘዘለኹሞ ሰላም ንዓኻትኩም፤ ድሕነት ድማ ንኹሎም ኣብ መገዲ ስደት ዝርከቡ እትፈትዉዎም ይኹን። ሰላምና ምእንቲ ኽበዝሕ ንደቅናን ንኣሽቱ ኣሕዋትናን እናረኣና ናብ መከራ ኣይነፋንዎም። • ርብዒ ናይቶም ብሳሃራ ኣቢሎም ኤውሮጳ ኽበጽሑ ናብ ባሕሪ ዘምርሑ ኤርትራውያን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም። • እዞም መዓንጣ ዘይቈጸሩ ናብ ስደት ዘምርሑ ደቅናን ንኣሽቱ ኣሕዋትናን፡ ኣብ ኣጻምእ ምድረበዳ ኽእሰሩ፡ ጅሆ ኽተሓዙን ክሽየጡን፡ ብግዲ ኽሰርሑን ባራዩ ክዀኑን፡ ምእማኑ ዘሸግር ኣስካሕካሒ ግፍዕን መከራን ሓሊፎም ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ይቕበሩ ኣለዉ። • ዝበዝሓ ኻብተን ናብ ሳሃራ ዝጕዓዛ ደቅናን ንኣሽቱ ኣሓትናን፡ ተደፊረን ብተደጋጋሚ ይዕመጻ ወይ’ውን እቲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ካልኦት ክፍጸም ይርእያ። • እቶም ካብ ቤቶም ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዘሎ ጉዕዞ ኻብ ሞት ዝተርፉ ዕሸላት ተላጋቢ ሕማማት፡ ረኽሲ ሳናቡእ፡ መስበርቲ ኣዕጽምቲ፥ ዘይተደልየ ጥንሲ፡ ነውጺ ኣእምሮን ካልእን ዝርከቦ ብርቱዕ ማህሰይቲ ዝገጠሞም እዮም።

1

0
Arbi Harnet / Freedom Friday
Subscribers
3.2K
Total Post
60
Total Views
102.3K
Avg. Views
1.7K
View Profile
This video was published on 2017-03-12 16:32:34 GMT by @Arbi-Harnet on Youtube. Arbi Harnet / Freedom Friday has total 3.2K subscribers on Youtube and has a total of 60 video.This video has received 1 Likes which are lower than the average likes that Arbi Harnet / Freedom Friday gets . @Arbi-Harnet receives an average views of 1.7K per video on Youtube.This video has received 0 comments which are lower than the average comments that Arbi Harnet / Freedom Friday gets . Overall the views for this video was lower than the average for the profile.

Other post by @Arbi Harnet